ኢትዩጵያ ካብ ኣፍሪካ እታ ታሽዐይቲ ዓባይ ሃገር እንትኾን ኣብ ናይ ሰሜን ምስራቕ ክልል እትርከብን ብበዘሒ ቐርኒ ኣፍሪካ ተባሂላ ትፅዋዕ፡፡ብባሕሪ በሪ ምስ ካልኦት ሃገራት፣ኢትዩጵያ ብምስራቕ ብጅቡቲን ሶማልያን እንትዋሰን ብሰሜንን ንሰሜን ምስራቕ ብኤርትራ፣ብደቡብ ድማ ምስ ኬንያ ከምኡ እውን ብምዕራብ ምስ ሱዳን ትዋሰን፡፡ጠቕላላ ናይ መሬት ስፍሓት 440,284 ማይል(1.1 ሚልዮን ስ.ኪ.ሜ) እዩ፡፡ዓሰርተ ዓበይቲ ባሕርታትን(7000ኪ.ሜ ንውሓትን) ሃይቕታት ድማ(7400 ስ.ኪ.ሜ ብስፍሓት)
ናይ ተፈጥሮኣዊ ኣቐማምጣ
ኢትዩጵያ ዝተፈላለየ ናይ መልካአ ምድሪ ኣቐማምጣ ዘለዋ ሃገር እያ፡፡ኣብ ውሽጢ እቲ ናይ ሃሩር መስመር ዝርከብ እንትኾን እቲ ተፈጥሮዊ ኩነታቱን እቲ ካብ ባሕሪ ወለል ንላዕሊ ዘሎ ፍልልይ ኣብ ናይ መልከአ ምድሪ ኣቐማምጣ፣ናይ ኣየር ንብረት፣ሓመድ፣ብናይ ተኽልታትን ናይ እንስሳትን ዘርኣዩ ርሕቐት ውፅኢት ዝለዓለ እዩ፡፡ኢትዩጵያ ዝለዓለን ውፅእ እትው ዝበለ መሬት ዝሓዙ ጎቦታት፣ላዕለዋዩ ጠፍጣፋ ዝኾነ ሜዳ “ኣምባስ”፣ስምጢ ሸለቆ፣ዝተሰንጠቐ ስምጢ ሸለቆን ዝሓዘት እያ፡፡እቲ ናይ መልክሃ ምድሪ ኣቐማምጣ ርሕቐት ካብቲ ዝለዓለ ጫፍ ኣብ ራስ ዳሽን(4620 ሜትር ልዕሊ ናይ ባሕሪ ወለል) ናብ ዳሉል(ከምኡ እውን ደንከል እናተብሃለ ዝፅዋዕ)ንውሽጢ እትው ዝበለ ቦታ እንትፀጋጋዕ 148 ሜትር ትሕቲ ናይ ባሕሪ ወለል እዩ፡፡