Embelem of Federal Democratic Republic of Ethiopia Official Portal of Federal  Democratic Republic of Ethiopia  
Home መልዓሊ Citizens ዜጋታት Government መንግስቲ ቢዝነሳት ቢዝነሳት ወፃእተኛታት ወፃእተኛታት NGOs መንግስታዊ ዘይኮነ ድርጅት Decrease font Increase font

 ጂኦግራፊ

 

ምስ ናይ ቆዳ ስፍሓት ደርጋ 1.2 ሚልዩን ስ.ኪ.ሜ ኢትዩጵያ ካብ ኣፍሪካ ብሻብዓይ ደረጃ እትርከብ ዝዓበየት ሃገር እያ፡፡ኣብ ምስራቕ ኣፍሪካ እትርከብ እንትኾን ቐርኒ ኣፍሪካ እናተብሃለት ትፅዋዕ ከምኡ እውን  ናይታ ሃገር ናይ መሬት ኣቐማምጣ ከዓ ኣብ ልዕል ዝበለ ቦታ ዝርከብ ሜዳማ ቦታ ትርከብ፡፡ርሕቐቱ ድማ ካብ 100 ሜትር ትሕቲ ናይ ባሕሪ ወለል  ኣብ ዳሉል ረባዳ ቦታታት ኣብ ዓፋር ናብ ናይ ጎቦ ጫፍ ዝኾነ ልዕሊ 4000 ሜትር ልዕሊ ናይ ባሕሪ ወለል ኣብ ናይ ሰሜን ጎቦ እዩ፡፡እቶም ዝለዓለ ናይ ጎቦ ጫፍ ራስ ዳሽን ኣብ ሰሜንን ባቱ ኣብ ባሌ ጎቦ ይርከብዎ፡፡

ንምዕራባዊን ምስራቓዊ ደጉዓ ዘፈላሊ እንትኾን እዞም ደጉዓታት ቀስ ብቀስ ናብ ቆላ ቦታታት ኣብ ምስራቕ፣ምዕራብን ደቡብን ናይቲ ዓዲ ይወርድ፡፡

እታ ሃገር ብዙሕ ልዕል ኣብ ዝበሉ ቦታ ዝርከቡ ሜዳታትን ዝተኣሳሰሩ ጎቦታትን ዝሓዘት እንትኾን ብሩባታትን ባሕርታትን ዝተኸፋፈሉ እዩም፡፡ካብዞም ሩባታት እቶም ዝዓበዩ ናይ ሩባ ሸለቆታት ከምን ናይል፣ኣዋሽ፣ባሮ፣ኦሞ፣ተከዘ፣ዋቢ ሸበሌን ገናሌን እዮም፡፡.

ናይ ኣየር ንብረት

ናይ ኢትዮጵያ ናይ ኣየር ንብረት ቐንዲ ተፅዕኖ ዝገብሩ ካብ ባሕሪ ወለል ንላዕሊን ዘለው ዋና ናይ ኣየር ኹነታት ዝስዕቡ እዩም፡-   

·   ደጉዓ (ካብ ንፋስ ዝበዝሖ ናብ ዝሑል ናይ ኣየር ንብረት)
እዚ ዝተለመደ ንፋስ ዝበዝሖ ደጉዓ ማእኸላይ ናይ ኣየር ኹነታቱ ኣብ ማእኸል 10 ዲግሪን 16 ዲግሪን ይርከብ፡፡ንውሓቱ ድማ ካብ ባሕሪ ወለል ንላዕሊ 2500 ሜትር እዩ፡፡

·   ሓውሲ ደጉዓ(ካብ ሙቐት ናብ ንፋስ ዝበዝሖ ናይ ኣየር ንብረት)
ማእኸላይ ዓመታዊ ናይ ሙቐት መጠን  ኣብ ሞንጎ 16 ዲግሪን 20 ዲግሪን እንትኾን በዝሒ ናይ ደጉዓ ቦታታት ኣብ ሞንጎ 1,500  2,500ን ሜትር ልዕሊ ናይ ባሕሪ ወለል ዝሓዘ እዩ፡፡

·   ቆላ (ካብ ሙቐት ናብ ብጣዕሚ ሙቐት ናይ ኣየር ንብረት)
እዚ ብጣዕሚ ሙቐት ናይ ቆላ ኣየር ንብረትን ማእኸላይ ናይ ሙቐት መጠን  ኣብ ሞንጎ 20 ዲግሪን 30 ዲግሪን እንትኾን ናይ ባሕሪ ወለል ርሕቐት ካብ 500 ናብ  1,500 ሜትር እዩ፡፡

·   በረኻ (ብጣዕሚ ሙቐትን ደረቕ ዝኾነ ናይ ኣየር ንብርት)
እዚ ናይ ቆላ በረኻ ስፍሓት ትሕቲ 500 ሜትር ልዕሊ ናይ ባሕሪ ወለል ዝሽፍን እንትኾን እቲ ማእኸላይ ዓመታዊ ናይ ሙቐት መጠን  ልዕሊ 30 ዲግሪ እዩ፡፡

ኣብ ኢትዩጵያ ክልተ ዝተፈላለዩ ወቕቲታት ኣለው፡፡ናይ ቐውዒ ቕቲ ብዙሕ ግዘ ካብ ጥቕምቲ ናብ ግንቦት(ብዙሕ ግዘ ናይ ክረምቲ ወቕቲ ኣብ ኣውሮፓ) ከምኡ እውን ናይ ዝናብ ወቕቲ ድማ ካብ ሰነ ናብ መስከረም (ቐውዒ ወቕቲ ናይ ኣውሮፓ) እዩ፡፡

ይ መሬት ኣቐማምጣ

114 ሚልዩን ስ.ኪ.ሜ ናይ ቆዳ ስፍሓት ብምሓዝ፣ኢትዩጵያ ፈረንሳይን ስፔንን ብሓባር ሓዊስኻ ዝርከብ ናይ ቆዳ ስፍሓት እያ ትኣክል ከምኡ እውን ናይ ኢንግሊዝ ሓሙሽተ ዕፅፊ ትኸውን፡፡ካብ ሰሜን ናብቲ ማእኸል ትሕት ኢልና እንትንወርድ ናይ ኣቢስንያ ደጉዓ እዩም፡፡ብምዕራብ መተኣሳሰሪኡ ናቲ መሬት ናብ ሳዕሪ ዝበዝሖ ቦታ ናይ ሱዳን ይወርድ፡፡ብምስራቕ ድማ ናብ ናይ ዓፋር በረኻ ይኸይድ፡፡ናይ ኣዲስ ኣበባ ደቡብ እቲ መሬት ብዓሚቑ ሸለቆ ሃይቅ ዝተመልአ እዩ፡፡

ኢትዩጵያ ብስትራቴጂያዊ ኣብ ቐርኒ ኣፍሪካ ትርከብ፡፡ንማእኸላይ ምስራቅን ንኣውሮፓን ትቐርብ ምስ እዚ ብምውሳኽ ዋና ዋና ናይቲ ሃገር ወደባት ንምርካብ ቐሊል እንትኾን ብተወሳኺ ናይ ዓለምለኸ ንግዲ ንምቕልጣፍ የኽእል፡፡ብምዕራብ ብሱዳን ትዋሰን፣ሶማልያን ጅቡቲን ብምስራቕ፣ኤርትራ ብሰሜንን ኬንያ ብደቡብ የዋስነኣ፡፡

 ናይ ኢትዮጵያ ማእኸላይን ኣብ ልዕል ዝበለ ቦታ ዝርከቡ ሜዳታት ብንውሓት ኣብ ሞንጎ 2000ን 3000ን ሜትር ይፈላለዩ፡፡ብሰሜንን ኣብ ማእኸል ናይታ ሃገር 25 ጎቦታት ኣለው እዚኣቶም እውን ጫፎም ልዕሊ 4000 ሜትር(13,200ጫማ) ይነውሕ፣እቲ ዝለዓለ ራስ ዳሽን ኾይኑ 4,543ሜትር(14,538ጫማ) እዩ፡፡

 (ፍልፍል: www.ethioembassy.org.uk)

© ናይ ምቕዳሕ መሰል 2003 ናይ ኢትዮጵያ ፌደራላዊ ዲሞክራሲያዊ ሪፐብሊክ መንግስቲ
ናይ ግሊ ጉዳይ ሓለዋ ፖሊሲ |  ናይ ኣጠቃቅማ ደንቢታት |  ሓላፍነትና ውሱን ምዃን | 
ተበፃሕነት |  ናይ ደንበኛታት ቻርተር