ናይ ኢትዩጵያ ፌደራላዊ ዲሞክራስያዊ ሪፐብሊክ
ናይ ህዝቢ ተወከልቲ ምኽሪ ቤት
ናይ ህዝቢ ተወከልቲ ምኽሪ ቤት ዝተመስረተሉ ኣብ ነሓሰ 21, 1995 እንትኾን እቶም ሓድሽቲ ዝተመረፁ ተመረፅቲ እንትራኸቡ እቲ ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ ናይ ፌደራል መንግስቲ ንምቅቋም ነይሩ፡፡
ከም ዓንቐፅ 54/1 ናይ ኤ.ፊ.ድ.ሪ ሕገ መንግስቲ እንተኾይኑ ናይ ህዝቢ ተወከልቲ ምኽሪ ቤት ኣባላት ዝምረፁ ብህዝቢ እንትኾን ንሓሙሽተ ዓመት ግዘ ዝፀንሕን ብመሰረት ናይ መረፃ መብቲን ብቐጥታዊ፣ነፃን ሚዛናዊን ዝኾነ መረፃ ዝግበር ኣብ ሚስጥራዊ ናይ መረፃ መውሃቢ ቦታ እዩ፡፡
ክልል ሓሙሽተ ዘየጠቓለለ ኣብ ሙሉእ ሃገር መረፃ ዝካየደሉ ዕለት ግንቦት 14, 2000 እንትኾን ኣብ ክልል ሓሙሽተ ድም ኣብ ነሓሰ 31, 2000 ይካየድ፡፡ዝኾነ ኾይኑ ኣብ ክልል 7ን ሓደሓደ ቦታታት ናይ ክልል 9 መረፃ እንትካየድ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ኣብ ሰነ 25ን ኣብ ሓምለ 31, 2000 ብቕደም ሰዓቦም ተደጊሙ እዩ፡፡
ኣብቲ መረፃ፣ናይ ኢትዩጵያ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ግምባር(ኢ.ህ.ዲ.ግ) ሕፁይ ተመረፅቲ 481 ወንበር እንትስዕሩ፣ ካልኦት ፓርቲታት ድማ 46 ኣግንዩም እዩም፡፡ብግሊ ዝተወዳደሩ ሕፁይ ተመረፅቲ ድማ 13 ወንበር ኣብ ምኽሪ ቤት ኣግንዩም እዩም፡፡
ቋዋሚ ናይ ህዝቢ ተወከልቲ ምኽሪ ቤት ኮሚቴ
ናይ ህዝቢ ተወከልቲ ምኽሪ ቤት 11 ቀወምቲ ኮሚቴ ኣለውዎ፡፡ ነንሕድሕድ ቀወምቲ ኮሚቴታት 13 ኣባላት ሓለፍቲን ፀሓፍቲን ይውስኽ፡፡
እቶም ናይ ህዝቢ ተወከልቲ ምኽሪ ቤት ኮሚቴታት እዞም ዝስዕቡ እዩም ፡
·ውጭ ጉዳይ፣ጉዳይ ድሕንነትን መከላኸሊ ቀወምቲ ኮሚቴ
·ሕጋዊን ምምሕዳራዊ ጉዳይ ቀወምቲ ኮሚቴ
·ጉዳይ ደቒ ኣንስትዩ ቀወምቲ ኮሚቴ
·ጉዳይ ዓቕሚ ምዕባይ ቀወምቲ ኮሚቴ
·ጉዳይ ሓበሬታን ባህሊን ቀወምቲ ኮሚቴ
·ናይ በጀትን ፋይናንስን ጉዳይ ቀወምቲ ኮሚቴ
·ናይ ንግዲን ኢንድስትሪን ጉዳይ ቀወምቲ ኮሚቴ
·ጉዳይ መሰረተ ልምዓት ቀወምቲ ኮሚቴ
·ማሕበራዊ ጉዳይ ቀወምቲ ኮሚቴ
·ጉዳይ ገጠር ልምዓት ቀወምቲ ኮሚቴን
·ናይ ተፈጥሮ ሃብቲን ኸባብያዊ መከላኸሊ ጉዳይ ቀወምቲ ኮሚቴ