Embelem of Federal Democratic Republic of Ethiopia Official Portal of Federal  Democratic Republic of Ethiopia  
Home መልዓሊ Citizens ዜጋታት Government መንግስቲ ቢዝነሳት ቢዝነሳት ወፃእተኛታት ወፃእተኛታት NGOs መንግስታዊ ዘይኮነ ድርጅት Decrease font Increase font

 ታሪኽ

ኢትዮጵያ ናይ ጥንቲ ነፃ ሃገር ኣብ ኣፍሪካ እንትኾን ኣብ ዓለም እውን ጥንታዊት እትበሃል ሃገር እያ፡፡ ከም ዝእመን ጥንታዊ ናይ ሰብ ዘርኢ ቅሪተ ኣካል ዝነበራን ዝተረኸበላ እንትኾን ሓሙሽተ ዓመት ሚልየን ዕድመ ከም ዘለዎ ይንገር ከምኡ እውን ኣብ ኢትዩጵያ ኣዋሽ ሸለቆ እዩ ተረኺቡ፡፡3.2 ሚልዩን ዓመት ዕድመ ዘለዋ ዓፅሚ ሉሲ ምርካብ ኣብ ሓደ ዓይነት ቦታ ኣብ 1974 ተኻዒቱ ዝተረኸበ በሊፅዎ እዩ፡፡

እቲ ናይ ግሪክ ናይ ታሪክ ምሁር ሄረዶተስ ኣብ ሓምሻይ ክፍለ ዘመን ቅድሚ ናይ ክርስቶስ ልደት ከም ዝተገለፀ ጥንታዊት ኢትዩጵያ ኣብ ፅሑፋቱ ከም ዘስፈሮ ከምኡ እውን ኣብ ብሉይ ኪዳን ከምዝተመዝገበ ናይ ሸባ ንግስቲ ናብ እየሩሳሌም ንምጉብናይ ኣብ ዝኸደትሉ ግዘ ንንጉስ ሰለሞን ብኸበድቲ ሕቶታት ኣረጋጊፀትሉ እያ፡፡እቶም ኹነታት ብግልፂ ካብኡ ንላዕሊ ኸይዱ እዩ ምኽንያቱ ኣፈታሪኽ ከምዘረጋገፆ ኣፄ ሚኒሊክ-ናይ ኢትዩጵያ ንግስና መስራቲ-ናይ ንግስቲ ሳባን ንጉስ ሰለሞንን ወዲ እዩ፡፡

ናይ ንግስቲ ሳባ ቤተ መንግስት ዝቐረዩ ነገራት ኣብ ናይ ኸዚ ግዘ ኣብ ኣክሱም ኣብ ትግራይ ኣውራጃ ሰሜናዊ ኢትዩጵያ እዩ ዘሎ፡፡ኣክሱም ናይ ኻልኦት ብዙሓት ታሪካዊ ቦታታት እውን ገዛ እያ፡፡ብተወሳኺ እውን ሚኒሊክ ካብ እሩሳሌም ዘምፀኦ ናይ ታቦተ ፅዩን ገዛ እውን እያ፡፡

ካብ ግብፂን ሶርያን ዝመፁ ልኡኻት(ሰበኽቲ) ናብ ኢትዩጵያ ኣብ ራብዓይ ክፍለዘመን ክርስትና ኣፋሊጦም፡፡ኣብ ሻብዓይ ክፍለዘመን ናይ እስልምና ምስፍሕፋሕ ኢትዩጵያ ካብ ናይ ኣውሮፓ ክርስትና ዝተነፀለት ገይርዋ፡፡እቲ ናይ ፖርችጋላውያን ካብ እንደገና ምምስራት ርክብ ምስ ኢትዩጵያ ኣብ 15 ክፍለ ዘመን ብቐዳምነት ኣብ ናይ ህንዲ ውቅያኖስ ንምቑፅፃር ምጥንኻርን ንኢትዩጵያ ናብ ናይ ሮማ ካቶሊክ ምቕያር ነይሩ፡፡ናይ ዘመናት ናይ ሃይማኖት ጎንፂታት ዝተኸሰቱ ናይ 1630 ክፍለዘመን ዝነበረ ናይ ወፃኢ ልኡኻት(ሰበኽቲ) ስለዝተባረሩ እዩ፡፡  

© ናይ ምቕዳሕ መሰል 2003 ናይ ኢትዮጵያ ፌደራላዊ ዲሞክራሲያዊ ሪፐብሊክ መንግስቲ
ናይ ግሊ ጉዳይ ሓለዋ ፖሊሲ |  ናይ ኣጠቃቅማ ደንቢታት |  ሓላፍነትና ውሱን ምዃን | 
ተበፃሕነት |  ናይ ደንበኛታት ቻርተር