Embelem of Federal Democratic Republic of Ethiopia Official Portal of Federal  Democratic Republic of Ethiopia  
Home መልዓሊ Citizens ዜጋታት Government መንግስቲ ቢዝነሳት ቢዝነሳት ወፃእተኛታት ወፃእተኛታት NGOs መንግስታዊ ዘይኮነ ድርጅት Decrease font Increase font

 መሰረተ ልምዓት

 

መንገዲታት

ካብ እንግሊዝ ሓሙሽተ ዕፅፊ ትበልፅ ሃገር እንተኾነት እውን ብዘይካ ነዋሕቲ ናይ ሃዲድ መራኸቢታት፣ናይ መንገዲ መጓዓዝያታት ኣብ ኢትዩጵያ ብጣዕሚ ኣድላይ እዩ፡፡ልዕሊ ሸውዓተ ዓመታት ንናይ መንገዲ ስራሓት ዝተኣከበ ወፈያታት ዓብይ ወሰኽ ኣርእዩ እዩ፡፡ሃገራት ብኣርባዕተ ክፋል ንሕድሕድ ዓመት ናይ መሰረተ ልምዓት በጀትን እቲ መንግስቲ በዓልቤት ኾይኑ ተመጣጣኒ ዝኾነ 4 ሚልዩን ዶላር ኣብ መንገዲ ምምስራት፣ብደረጅኡ ንምዕባይን ንምፅጋን ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ዝኾን ኣብ ትሕቲ ናይ መንገዲ ሴክተር ምዕባይ መርሃግብሪ(መ.ሴ.ም.መ) ሰሪሑ እዩ፡፡

እዚ ዘንፀባርቆ ናይቲ መንግስቲ ኣፍልጦ ኣብ ናይ መንገዲ ሴክተራት ንብሄራዊ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ዝጠቕም ምኻDኑን ካብቲ ናይታ ሃገር ጠቐምቲ ንብረታት ብዝለዓለ ኹነታት ተጠቒሙሉ እዩ፡፡መ.ሴ.ም.መ ዝተመስረተሉ ግዘ ኣብ 1997 እንትኾን ኣብ መጀመርያ ሓሙሽተ ዓመት ግዘ ውሽጢ ሓሳባቱ ዝነበሩ እቲ ኣገልግሎት ንክቕፅል ኣብ ምግባር፣መሊስኻ ኣብ ምቑቋምን ኣብ ናይ ዋና ናይ መኪና መንገዲታት ደረጅኡ ምዕባይ፣መንገሊታት ኣብ ምትሕሓዝን ናይ ክልል መንገዲታት ምስራሕ እዩ፡፡እቲ መንግስቲ ዝሰርሖም 3,833ኪ.ሜ ናይ ኣስፋልት መንገዲ፣1,390ኪ.ሜ መጋቢ መንገዲታትን 5,399ኪ.ሜ ናይ ፀፀር መንገዲ ከምኡ እውን 2,613ኪሜ ዝተፀገኑ ናይ ኣስፋልት መንገዲን ከበድቲ ስራሓት ኣብ ምትግባር  1,575ኪ.ሜ  ኣብ ዝነበረ ናይ ፀፀር መንገዲታት ተሰሪሖም እዩም፡፡ናይ መንገዲ ወፈያ፣ብገንዘብ ዝድገፍ ቐረፅ ዝወደቐሉ ናይ ነዳጅ ዋጋ ዝንደፍ(ዝቕረፅ) እንትኾን ናይቲ ወፈያ ምትርፍራፍ ኣብ ቐፃልነት እቲ መንገዲ ምትሕሓዛት  ንምርግጋፅ እዩ፡፡

ናይ መንገዲ ስራሕ ዝወፁ ወፃኢታት ዘተኩሩ ኣብቶም ሓሙሽተ ቐንዲ መንገዲታት ካብ ኣዲስኣበባ ናብ ጅማ ፣ኣዋሳ፣ኣዲግራትን ጅቡቲን እዩ፡፡ንቲ መርሃግብሪ ቐልጢፍካ ንምልዓል ናይ ዓለም በንክ 309 ሚልዩን ዶላር ኣቕሪቡ እዩ ከምኡ እውን ናይ ኣውሮፓ ሕብረት 300 ሚልዩን ዶላር፣ናይ ኣፍሪካ ልምዓት ባንክ 104 ሚልዩን ዶላር ከምኡ እውን ናይ ኢትዩጵያ መንግስቲ እውን 940 ሚልዩን ዶላር ኢንቨስት ገይራ እያ፡፡ንናይ 326ኪ.ሜ ኣዲስኣበባ-ጅማ መንገዲን 513ኪ.ሜ ኣዲስኣበባ-ወልድያ መንገዲ ንምስራሕ ኣብ ምድላው እዩ ዘሎ፡፡  

© ናይ ምቕዳሕ መሰል 2003 ናይ ኢትዮጵያ ፌደራላዊ ዲሞክራሲያዊ ሪፐብሊክ መንግስቲ
ናይ ግሊ ጉዳይ ሓለዋ ፖሊሲ |  ናይ ኣጠቃቅማ ደንቢታት |  ሓላፍነትና ውሱን ምዃን | 
ተበፃሕነት |  ናይ ደንበኛታት ቻርተር