ብቲ እቲ ሓድሽ ኢኮኖሚያዊ ፖሊሲ መሰረት እቲ መንግሰቲ ናይ ነዊሕ ግዘ ኢኮኖሚያዊ ልምዓት ስትራቴጂ ግብርና ዝመርሖ ኢንድስትሪ ብምድንጋግ እቲ ድሑር ኢኮኖሚያዊ ኣወቓቕራ ንምልዋጥ ምንቕስቓስ ይገብር፡፡ክልተ ኣቕጣጫ ዘለዎ ስትራቴጂ ዝሓዘ እንትኾን እተ ሓደ ገፅ ናይ ደጋዊ ሴክተር(ናብ ወፃኢ ምልኣኽ ዝምራሕ ክፍሊ) ዘጠቓልል እዩ፡፡ ከምኡ እውን ብቲ ካሊእ ውሽጣዊ ሴክተር ከምዘርእዩ ናይ ግብርናን ኢንድስትሪን ናይ ቕድሚትን ድሕሪት መተሓሓዝቲ(ሊንኬጅ) እዩም፡፡ኣብዚ መጋነዪ ፡
1. ግብርና ናብ ወፃኢ ዝለኣኹ ኣቕሓታት ፣ናብ ዓዲ ውሽጢ ዝቐርቡ ምግብታትን ካብ ኢንድሰትሪ ዝወፁ የቕርብ
2. ንናይ ዓዲ ውሽጢ ምህርቲታት ዕዳጋ ምስፍሕፋሕ፡፡እቲ ናይ ማዓድን ሴክተር ናብ ወፃኢ ዓዲ ምልኣኽ ዕብየት ሓይሊ ክህቦ ይሕሎ፡፡
ናይቲ ሃገር ልምዓት ስትራቴጂ ብናይ ኢኮኖሚ ምምሕያሽ ፕሮግራም ልምዓት ዝተደገፈ እንትኾን ከምኡ እውን ምስ ናይ ዓለም ባንክን ምስ ናይ ዓለምለኻዊ ናይ ገንዘብ ፈንድ(IMF) ብምትሕብባር ይሰርሑ ነይሮም ከምኡ እውን ብተመሳሳሊ ናይ ኣወቓቕራ መስተኻኸሊ ፕሮግራም ካብ 1992 ጀሚሩ ነይሩ፡፡
እቲ ናይ ምምሕያሽ ፕሮግራም ዓብይ ጥቕሚ ኣግንዩ እዩ፡፡ብፍላይ ድማ ኣብ ናይ ዝተፈላለዩ ነገራት ዝነበረ ጥብቒ ቑፅፅር ምቕናሱ ውፅኢት፣ናይ ገንዘብ ናይ መግዝኢ ዓቕሙ ንኡስ ምኻን ምቕናሱ፣ናይ ገንዘብ ኣተሓሕዛ ምቑፅፃር፣ናይ መንግስቲ ልቓሕ ትሑት ምኻን ፣ናይ መሰረተ ልምዓት ምምሕያሽን ናይ ግሊ ሴክተራት ዕብየት እዩም፡፡
እቲ መንግስቲ ናብ ናይ ግሊ ትሕዝቶ ናይ ምቕያር ፕሮግራም ዘጣየሾ ካብ 1995/06 ጀሚሩ እዩ፡፡ሰለስተ ሚእቲን ሰብዓን ሓሙሽተን መንግስቲ ዝውንነን ናይ ንግዲ ድርጅት ኩባንያታት ናብ ናይ ግሊትሕዝቶ ኣብ ምቕያር ፕሮግራም ካብ 1995/06 ጀሚሩ ተሓሲቡ ነይሩ፡፡ካብዚኣቶም ግን 201 ተሸይጦም ልዕሊ 33 ቢልዩን ንታ ሃገር ኣምፂኦም እዩም፡፡ዝተረፉ 156 ናይ ንግዲ ድርጅት ኩባንያታት ድማ ኣብዚ ግዘ ኣብ ትሕቲ ናይ ግሊ ትሕዝቶ ናይ ምቕያር ፕሮግራም ከይዲ ውሽጢ እንትህልው ንናይ ወፃኢ ዓዲ ኢንቨስተራት ፅቡቕ ተወዳደርቲ ይቐርብ፡፡