Embelem of Federal Democratic Republic of Ethiopia Official Portal of Federal  Democratic Republic of Ethiopia  
Home መልዓሊ Citizens ዜጋታት Government መንግስቲ ቢዝነሳት ቢዝነሳት ወፃእተኛታት ወፃእተኛታት NGOs መንግስታዊ ዘይኮነ ድርጅት Decrease font Increase font

 ግላዊነት መስል ፖሊሲ

 

መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ሕድሕድ ግለሰብ ግላዊ መረዳእታ ናይ ምኽባር ሓላፍነት ኣለዎ፡፡ ንሕናውን ግዴታና ዝኾነ ምሕላው ድሕንነት ኣድለይቲ መረዳእታታት ንምርግጋፅ ንጥቀመሉ ሜላታት ኣተዓቓቕባ መረዳእታ ኣብ መርበብ ሓበሬታና ዝገልፅ ዓንቀፅ ኣካቲትና ኣለና፡፡

ኣብ ከይዲ ኤሌክትሮኒክስ ተጠቒምካ መረዳእታ ምድላይ ይኹን ኣብ ከይዲ ንግዳዊ ስራሕቲ ምስ መንግስቲን ናይ ተገልገልትና ናይ ግሊ መረዳእታታት ብዝግባእ ንዕቅብ ኢና፡፡

ናይ መረዳእታ መርበብ ሓበሬታ ምእካብን ምጥቃምን

ተገልገልቲ ድሕረ ገፅታትና(ዌብሳይትና) እናጎብነዩ ከለው ቅድሚ ዝደለዩዎ ኣቕሓ ንምውሳድ ምጥያቖም ግላዊ መረዳእታኦም ኣይንወስድን፡፡ ብክሬዲት ካርድ ዝተሓገዘ ልውውጥ ንምክያድ ዘተኣማምን ዘመን ዝጠልቦም ናይ መረዳእታ ደሕንነት ደንብታት ንጥቀም፡፡

IP Address ምእካብ

ተገልገልቲ ገፅታትና(ዌብሳይትና) ክጉብንዩ ከለው ሰርቨር(server) ኮምፒዩተርና ኣይ.ፒ ኣድረሶም(IP Address) ይእክብ እዩ:: (ኣይ.ፒ ኣድሬስ(IP Address)  ምስ ኢንተርኔት ንዝተተሓሓዙ ኮምፒዩተራት ዝወሃብ ፍሉይ መፍለይ ስም እዩ፡፡) እዞም ኣይ.ፒ ኣድረሳት(IP Address)  ምስ ሰርቨርና(server)  ዝተተሓሓዙ ፀገማት ንምፍታሕን ቁፅሪ ጎብነይቲ ንምፍላጥን  ይጠቕመና::   

ኩኪስ (COOKIES) ምጥቃም

ዝተወሰነ ናይ ኢትዮጵያ መንግስታዊ መርበብ ሓበሬታታት ኩኪስ(cookies) ይጥቀማ:: ኩኪስ(cookies)  ተጠቀምቲ መርበብ ሓበሬታ ዘእትውዎም ሚስጥራዊ ቁልፍታት ንምዝካርን ካልኦትን ናይ ተጠቀምቲ መረዳእታታት ንምሓዝ የክእሉና::መንግስቲ ዝጥቀመሎም ኩኪስ(cookies)  ካብ ናይ መንግስቲ ዲፓርትመንትታት ወፃኢ ካሊእ ሰብ ክጥቀመሉ ናብ ዘይክእለሉ ፎርማት ተቐይሮም እዮም ዝቕመጡ፡፡

ናይ ግሊ መረዳእታታት ምዕቓብ

ናይ ግለሰባት መረዳእታ ንቲ መረዳእታ ካብ ዘድልዮም ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛታት ወፃኢ ካሊእ ክረኽቦ ኣይኽእልን፡፡ ብዘይ ናይቲ ግለሰብ ፍቓድ ግላዊ መረዳእትኡ ንካሊእ ሳልሳይ ወገን ኣሕሊፍካ ኣይወሃብን፡፡ካልኦት ናይ ሳይት ሓበሬታ ኣይከፋፈልን፣ኣይሽወጥን ከምኡ እውን ብዘይካ ናይኻቱም ፍቓድ ካሊእ ሳልሳይ ወገን ኣይመሓላለፍን፡፡

ጠቓሚ ምልክታ

ኣብ ዌብሳይትና ዝርከቡ ዝተወሰኑ ናብ ህዝባዊ ወይድማ ናይ ግሊ ሴክተር ቢሮታት ድሕረ ገፅታት(ዌብሳይታት) ዝወስዱ መተሓሐዝቲ(ሊንክታት) መረዳእታ ንምሃብን ንተጠቃሚ ንምሕጋዝን ጥራሕ ዝተገበሩ እዮም፡፡ ንዞም መተሓሐዝቲ(ሊንክታት) ተጠቒምና እቶም ሳይታት ክንጉብኒ ከለና ካብ ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕረ ገፅታት(ዌብሳይታት) ንወፅእ ከለና እቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ ናይ መረዳእታ ምምሕዳር ከም ዘይሰርሕ ክንሕብር ንፈቱ፡፡

© ናይ ምቕዳሕ መሰል 2003 ናይ ኢትዮጵያ ፌደራላዊ ዲሞክራሲያዊ ሪፐብሊክ መንግስቲ
ናይ ግሊ ጉዳይ ሓለዋ ፖሊሲ |  ናይ ኣጠቃቅማ ደንቢታት |  ሓላፍነትና ውሱን ምዃን | 
ተበፃሕነት |  ናይ ደንበኛታት ቻርተር